Socialtjänsten eller socialförvaltningen är i Sverige namnet på den kommunala förvaltning som lyder under varje kommuns socialnämnd eller annan nämnd som svarar för det praktiska och politiska arbete som regleras av socialtjänstlagen. Det exakta namnet på nämnd och förvaltning kan skifta från kommun till kommun.
ማሕበራዊ ኣገልግሎት ወይ ድማ ኣሃዱ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምምሕዳርዊ ቅርጺ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ምምሕዳር ተማእዚዙ ዝኸይድ ኣሃዱ ኮይኑ፣ ፖለቲካዊ፣ ኮነ ማሕበራዊ ሕቶታት ናይ ህዝቢ ንምምላስ ማሕበራዊ ሕጊ ተማእዚዙ ዝዓዪ ኣሃዱ ኢዩ። እት ልክዕ ስሙ ድማ ከከም ዝጥዕም ብነፍሲ ወከፍ ምምሕዳር ክስየም ይኽእል።


Socialtjänsten arbetar enligt den socialtjänstlag som infördes 2001 (2001:453). Tidigare begrepp med samma eller liknande innebörd var socialvård, och före 1956 fanns fattigvård.
ኣሃዱ ማሕበራዊ ኣገልግሎት በቲ ኣብ 2001 (ዓንቀጽ 2001/453) ዝተደንገገ ተማእዚዙ ይሰርሕ። ቅድሚኡ ግን እቲ ሓሳብ (እዚ ሕጂ ማሕበራዊ ኣገልግሎት) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ካልእ ስም ማለት ማሕበራዊ ክንክን ብዝብል ኢዩ ይጽዋዕ ኔሩ። ቅድሚ 1956 ድማ ክንክን ድኻታት ወይ ድማ ምእላይ ድኻታት ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ ዝነበረ። እቶም ነዚ ዓይነት ኣግለግሎት ዝጥቀሙ ሰባት (ተረባሕቲ ናይዚ ኣገልግሎት ዝኾኑ) ድማ፣ ተገልገልቲ፣ ተጠቀምቲ፣ ዓማዊል፣ ተረባሕቲ ተባሂሎም ከከም ኩነታቱ ይጽዉዑ ኔሮም።